መእተዊ ኣገልግሎታት ኮርስታት ብዛዕባና ጋንታና መሪሕነት ክብርታት ተመዝገቡ

ምስ ጋንታና ተላለዩ

ኣብ ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ዕውት ተምሃራይ፡ ውፉያት መምህራንን መሃዝትን ኣለዉ። ነቶም ንMindShift Academy ናይ ለውጢ መድረኽ ንምግባር ዝሰርሑ ሰብ ሞያና ይለለይዎም።

ብዛዕባና ዝያዳ ይፍለጡ

ብዛዕባና

ማይንድሽፍት ሃብ ኣካዳሚ (MindShift Hub Academy)፦ ድሕሪ እቲ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራውያንን ዓለምለኻውያንን ትካላት ብምዃን ቅኣሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ኣብ ስነ-ልቦናን ውልቃዊ ዕብየትን ክስልጥኑ ዝጸንሑሉ ሃብታም ተመክሮ፣ ብዕለት 01/10/2024 ዓ.ም.ፈ ብወግዒ ስርሑ ብምጅማር፤ ነቲ ኣብ ዙርያ ዓለም ዝርከብ ትግርኛ ተዛራባይ ማሕበረሰብ ብኦንላይን ምስቲ ዘመናዊ ናይ ቴክኖሎጅ፣ ቃንቋ እንግሊዘኛን ዲጅታል ክእለታትን ንምትእስሳር ዝዓለመ ኮይኑ፣ ኣብዚ ሓጺር ግዜ እዚ ልዕሊ 10 ዓይነት ዝተፈላለዩ ሞያታትን ስልጠናታትን ብምድላው ቅልዕሊ 500 ተምሃሮ ብቑዕ ሞያ ኣትሒዙ ዝርከብ፣ ኣብ ስነ-ልቦናዊ ምሕዳስን ውልቃዊ ብቕዓትን ዝተሰረተ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ብምምጻእ፣ ነፍሲ ወከፍ ተምሃራይ ኣብ ዓለማዊ ናይ ስራሕ ዕዳ ጋ ተወዳዳሪ ክኸውንን ብውልቁ ክዕበትን ዘኽእሎ ሓያል ናይ ፍልጠት ባይታ ብምፍጣር፣ ትግርኛ ተዛረብቲ ኣብ ዲጅታል ዓለም መሪሕ ተራ ክጻወቱ ዝሰርሕ ዘሎ ናይ ለውጢ ማእከል እዩ።

50+
ተምሃሮ
10+
ኣሰልጠንቲ
100%
ዕግበት
24/7
ንርከብ

መስረትቲ ማይንድሺፍት ሃብ ኣካዳሚ

Merhawi - Founder

ኣሰልጣኒ መርሃዊ ኢትባረኽ

መስራትን ዋና ኣሰልጣንን ማይንድሽፍት ሃብ ኣካዳሚ

"ብሞያ ኮምፒውተር ሳይንስ ዝተመረቀ ኮይኑ፣ ኣብ ውልቃዊ ዕብየትን ቢዝነስን ልዕሊ 6 ዓመት ተመክሮ ዘለዎ ብሉጽ ኣሰልጣኒ እዩ። ኣብ Digital Marketing, Content Creation, Video Editing ከምኡ እውን Graphic Design ዓለምለኻዊ ምስክር ወረቐት (Certified) ዝውንን ብቑዕ ሞያዊ ብምዃኑ፣ ንቴክኖሎጅን ስነ-ልቦናዊ ምሕዳስን ብምጥማር ንማሕበረሰብና እናቀየረ ይርከብ። ከም መስራቲ ማይንድሽፍት ሃብ ኣካዳሚ መጠን ድማ፣ ንወለዶታት ብዘመናዊ ድጅታል ክእለታት ብምብቃዕ ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ ተወዳደርቲ ክኾኑ ብተወፋይነት እናሰርሐ ይርከብ።"

Tesfa - Co-Founder

ኣሰልጣኒ ተስፋሚካኤል ደስታ

መስራትን ዋና ኣሰልጣንን ማይንድሽፍት ሃብ ኣካዳሚ

"ካብ ኣክሱም ዩኒቨርሲቲ ብኮምፒውተር ሳይንስ ዝተመረቀ ኮይኑ፣ ኣብ ዓውደ ውልቃዊ ዕብየትን ቢዝነስን ልዕሊ 12 ዓመት ዘለካ ዓሚቕ ተመክሮ ምስ ዓለምለኻዊ ናይ Life Coach ሞያዊ ብቕዓት ዘወሃሃደ ብሉጽ ኣሰልጣኒ እዩ። ብቛንቋ እንግሊዘኛን መምህርነትን ዘለዎ ብቕዓት ተጠቒሙ፣ ብኣካልን ብኦንላይንን ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ብምምሃር ኣብ ትግርኛ ተዛራባይ ማሕበረሰብ ናይ ባዕሉ ዓሻራ እናዕረፈ ይርከብ። ከም መስራቲ ማይንድሽፍት ሃብ ኣካዳሚ መጠን፣ ንቴክኖሎጅያዊ ፍልጠትን ስነ-ልቦናዊ ምሕዳስን ብምጥማር ንወለዶታት ብሞያ ዘመጥው ዘሎ ቆራጽ መራሒ እዩ።"

ኣባላት

ገብረመድህን ኣያሌው

መምህር ገብረመድህን ኣያሌው

ኣሰልጣንን በዓልሞያን ስነልቦና

ዓሚቕ ተመክሮ ኣብ ስነ-ልቦናዊ ምኽርን ልማዳዊ ምኽርን፣ ንውልቀ-ሰባት ናብ ዕቤት ዝመርሕ ኣሰልጣኒ

ናትናኤል ደምስ

ናትናኤል ደምስ

Website and AI developer

Full Stack Developer 3+ year expriance in Mern-stak and AI development

ቲቲ ቅሺ

ቲቲ ቐሺ

ኣሰልጣኒ ስነልቦናን ኣላዪት መድረኽን

ንልዕሊ 3 ዓመት ናይ ስነልቦና ስልጠና እናሃበት ዝጸንሐት.

ሄርሜላ

ሄርሜላ

ኣሰልጣኒትን በዓልሞያን ሜክኣፕ (ስነ-ጽባቐ)

ንልዕሊ 3 ዓመት ተመክሮ ኣብ ስነ-ጽባቐ

ሃገረሰላም ዘሙይ

ሃገረሰላም ዘሙይ

sells

ፌቨን ሰለሞን

ፌቨን ሰለሞን

sells

ህድኣት ገብረሚካኤል

ህድኣት ገብረሚካኤል

sells

ራሄል ዓንደመስቀል

ራሄል ዓንደመስቀል

sells

ኣምለሶም ኣርኣያ

ኣምለሶም ኣርኣያ

sells

ዓወት መሓሪ

ዓወት መሓሪ

sells

ልኡኽቶ

"ተልእኮ ማይንድሽፍት ሃብ ኣካዳሚ፤ ንትግርኛ ተዛረብቲ ውልቀ-ሰባትን ትካላትን፣ ምስ ግዜ ዝስጉሙ ዘመናዊ ስልጠናታት ዲጅታል ማርኬቲንግ፣ ቃንቋ እንግሊዘኛን ስነ-ልቦናዊ ስልጠናታትን ብምቕራብ፣ ኣብ ውልቃዊ ህይወቶምን ሞያዊ ስርሖምን ስርታዊ ለውጢ (Mindset Shift) ከም ዝፈጥሩ ምግባር እዩ። እዚ ትካል እዚ፣ ቴክኖሎጅያዊ ፍልጠትን ስነ-ልቦናዊ ብቕዓትን ብምጥማር ፣ ማሕበረሰብና ካብ ናይ ክእለት ድሕረት ወጽዩ ኣብቲ ዓለማዊ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ብትብዓት ክሳተፍን፣ ብቑዕ መሪሕነትን ፈጣሪነትን ዝውንን ወለዶ ንምህናጽ ብተወፋይነት ይሰርሕ።"

መሰረታዊ ክብርታትና

ተምሃራይ ማእከል ዝገበረ

ነፍሲ ወከፍ እንወስዶ ውሳነ ንዓወትን ዕቤትን ተምሃሮና ቀዳምነት ዝህብ እዩ። ናትኩም ጉዕዞ፡ ናትና ተልእኾ እዩ።

ቅንዕናን ተኣማንነትን

ዝምድናና ኣብ ቅንዕና፡ ግሉጽነትን ናይ ሓባር ምክብባርን ዝተመስረተ እዩ። ናትኩም እምነት ንዓና ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዝኸበረ ሃፍትና እዩ።

ምህዞ

ብሉጽን መሳጥን ትምህርቲ ንምሃብ፡ ኣገባብናን ትሕዝቶናን ብቐጻሊ ንቕይርን ነመሓይሽን።